ካብ ውሽጢን ወፃኢን ዘንፀላለዉ ፀገማት ንምስጋር ብሓባር ደው ምባል ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ሃገር ካብ ውሽጢን ወፃኢን ዘንፀላለዉ ፀገማት ንምስጋር ብሓባር ደው ምባል ከምዝግባእ ኣካቢት ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ዶክተር ራሄል ባፌ ገሊፀን።

እተን ኣካቢት፥ ብመንፅር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ሃገራዊ ኩነታት ምድምማፅ፣ ምዝርራብ፣ ብሓባር ደው ምባልን ከምዘድሊ ኣገንዚበን።

ውሽጣዊ ፀገማት ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ብምፍታሕን ብሓድነትን ደው ብምባል ዝመፅኡ ናይ ውሽጢ ፅዕንቶታት ብሓባር ምምካት ከምዘድሊ እውን ኣብሪሀን፡፡

24 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ዝተጣየሸ ውዳበ መንግስቲ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ክካተቱ ምግባሩ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ንኽፅኡን ሃገራዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ዝሐሸ ምርድዳእ ንኽህሉ ዝሕግዝ ኢዩ ምባለን ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment