ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ክሳብ ሃገር ልዑል ጉድኣት ዘብፅሕ ዘሎ መሸጣን ዝውውርን ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ኲናት ብሕብረት ምክልኻል ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ዓለም ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ክሳብ ሃገር ልዑል ጉድኣት ዘብፅሕ ዘሎ መሸጣን ዝውውርን ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ኲናት ብሕብረት ምክልኻል ከምዝግባእ ላዕለወይቲ ዓቃቢት ሕጊ ፌዴሪኢ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣተሓሳሲበን።

ወይዘሮ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፀን ከምዝበልኡ፥ እቲ በቢርኩ ንዘሎ ኩሉ ሰብ ልዑል ሓደጋ ኮይኑ ዘሎ ገበን ኣብ ምክልኻል ብሕብረት ምስራሕ የድሊ።

ነዚ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ዘፅደቐቶ ኣዋጅ ቁፅፅር ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ኲናት፥ ንምሕላው ሰላምን ፀፅታን ህዝቢ፣ ንምኽባር  መሰልን ድሕንነትን ዜጋታት ኣገዳሲ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

ከምኡ ‘ውን ውልቀ ሰባት ዝተዓጠቕዎ ዕጥቂ ሰላምን ፀፅታን ህዝቢ ኣብ ምሕላው ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእለሉ ዕድል ምፍጣር ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እቲ ኣዋጅ ካብ ፍቓድ ወፃእ፥ መሳርሒ ኲናት፣ ጉድኣት ዘብፅሑ ናውቲ፣ ወታደራዊ መነፅር ንዝብሉ ናብ ዓዲ ውሽጢ ምእታው፣ ካብ ሃገር ምውፃእ፣ ምሓዝ፣ ምቕማጥ፣ ምኽዛን፣ ኣብ ረብሓ ምውዓል፣ ምርኣይ፣ ምድላል፣ ምሻጥ፣ ምግዛእ፣ ምምሕልላፍ፣ ምዝውዋር፣ ምጉዕዓዝ፣ ምፍራይ፣ ምስልጣንን ምውጋድን ዝኽእክል ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment