ካብ ዋግኽምራ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ቅድሚ በዓል ሰብኣዊ ሓገዝ ይከፋፈል ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዋግኽምራ ንዝተመዛበሉ 31 ሺሕን 839 ዜጋታት ቅድሚ በዓል ልደት ሰብኣዊ ሓገዝ ይከፋፈል ከምዘሎ ተገሊፁ።

ላዕላዋይ ሓላፊ ስራሕ ፕሮግራም ህፁፅ ሓገዝ ኤፍ ኤች ኢትዮጵያ ዳንኤል ጥላሁን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ 5 ሺሕን 396 ኩንታል ካብ ኮምቦልቻ ናብ ሰቖጣ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይጎዓዓዝ ኣሎ።

ካብ ዞባ ዋግኽምራ ብሄረሰብ ምምሕዳር ዝኸፍአ ፀገም ቀለብ ንዘጋጠሞም ወረዳታት ኣበርገሌ፣ ዝቋላን ሳኅላን ይስራሕ ከምዘሎ አውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ እቲ ትካል ብድምር ን37 ሺሕን 960 ካብ ኣበርጌለ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ደገፍ ይገበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብዮሐንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment