ካብ ወፃኢ ዓዲታት ልዕሊ 6 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተላኢኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ባጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ካብ ወፃኢ ዓዲታት ልዕሊ 6 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተልኣኸ ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል በላይነህ ኣጥላው፥ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓማውቲ ካብ ወፃኢ ዓዲ ዝለኣኽ ሰልዲ(ሪሚታንስ) ከምዝወሰኸ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ 2016 ዓ.ም ብሪሚታንስ ልዕሊ 6 ቢሊየን ዶላር ከምዝተልኣኸ ገሊፆም።

273 ኣባላት ዲያስፖራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ንክሳተፉ ዘኽእል ጭቡጥ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment