ካብ ወፃኢ ንግዲ ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ – ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ወፃኢ ንግዲ ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀዳማይ ርብዒ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ይግምግሙ ኣለዉ፡፡

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ቀዳማይ በጀት ዓመት እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ክትትል ካብ ዝገብረሎም ፍርያታት ንግዲ ወፃኢ 1 ቢሊየን 508 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ናይ 700 ሚሊየን ዶላር ሓለፋ ከምዘለዎ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምኽባር ናብራ ንምንካይን ዕዳጋ ንምርግጋእን ከምኡ እውን ኣማራፂ ዕዳጋ ኣብ ምስፋሕ ኣብቲ ርብዒ ዓመት 88 ሓደሽቲ ዕዳጋታት ቀዳመ ሰናብቲ ከምዝተመዓራረዩን ብሓፈሻ 1 ሺሕን 334 ዕዳጋታት ኣገልግሎት እናሃባ ከምዝኾናን ገሊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment