ካብ ኮማንድ ፖስት ጎጃም ቀጠና ወፍሪ ዝተቐበሉ ኣመራርሓታት ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝሰርሑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኮማንድ ፖስት ጎጃም ቀጠና ወፍሪ ተቐቢሎም ኣብ ወረዳታት ስራሕቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናወገኑ ዝነበሩ ኣመራርሓታት ክሳብ ሕዚ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፀብፃብ ምውፋር ኣመራርሓ እቲ ዞባ ነቲ ኮማንድ ፖስት ዘቕረቡ ኣመሓዳራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኑርልኝ ብርሃኑ÷ እቲ ዞባ ኣብ ወረዳታት ተንቀሳቒሱ ህዝቢ ብምዝታይ ሕብረተሰብ ኣብ ጎኒ ሰላም ክስለፍ ውፅኢት ተኮር ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፀም፡፡

ሓዱሽ ኣመራርሓ እውን ኣብ ወረዳታት ህዝባዊ መድረኻ ብምኽፋት ሽርሒን ድሌትን እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ክግንዘብ ብምግባር ሕብረተሰብ ምስ ሓይሊ ፀፅታ ተሓባቢሩ ንሰላም ዘብዒ ጠጠው ንኽብል ዘኽእል ግንዛበ ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም፡፡

ኣካቢ ኮማንድ ፖስት ጎጃምን ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ሌተናል ጀኔራል መሓመድ ተሰማ ብግደኦም÷ በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ብምዃን ብቖራፅነት ብምስራሕ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ክቕፅል ኣብ ምግባር ክጠናኸር ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡

ህዝቢ ንስራሕቲ ሰላምን ፀፅታን ቅድሚት ብመሃብ ኣብ ጎኒ ሓይሊ ፀፅታ መንግስቲ ንኽስለፍ ምሕታቶም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment