ካብ ክረምታዊ ዝራእቲ 320 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋን ክረምቲ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ክሳብ ሕዚ 320 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ፈፃሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ከበደ ላቀው ከምዝበሉዎ፤ ኣብቲ ፍርያት ዘበን ብኩታ-ገጠም ዝለምዐ 11 ሚሊየን ሄክታር ሓዊሱ 20 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ተሸፊኑ።

ካብዚ ድማ ክሳብ ሕዚ ኣብ 16 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዝርከብ ዝራእቲ ከምዝተኣከበ ብምሕባር፤ ክሳብ ሕዚ 320 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ናብ ቆፎ ከምዝኣተወ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።

ብጉልበት ሓረስቶት ካብ ዝእከብ ፍርያት ብተሳኺ ብሜላ ሜካናይዝድ ፍርያት ናይ ምእካብ ስራሕቲ ከመዝተሰርሐ ብምግላፅ፤ ዝተረፈ ፍርያት ንምእካብ ብዝተዋደደ መገዲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

Comments (0)
Add Comment