ካብ ክልል ትግራይ ናብ ሱዳን ኣብ ክሊ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ምስ መንግስቲ ሱዳን ብምትሕብባር ይስራሕ ኣሎ-ኣምባሳደር ይበልጣል ኣዕምሮ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ሱዳን ኣብ ክሊ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ምስ መንግስቲ ሱዳን ብኹለ መዳይ ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ይበልጣል ኣዕምሮ ገሊፆም።

ኣብ ሱዳን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ይበልጣል ኣዕምሮ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ምስ ስካይ ኒውስ ጣቢያ ቴሌቪዥን ዓረብኛ ቃለ መሕትት ኣካይዶም።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ውሑዳት ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝግበር ወፍሪ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

እዚ እውን ዝኾነ ይኹን መንግስቲ ዝገብሮ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ዝኾነ ይኹን መንግስቲ ሕጊ እናተጥሓሰ ኮፍ ኢሉ ዝርእየሉ ኩነታት ከምዘየለ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይወስዶ ኣብ ዘሎ ስጉምቲ ምኽኒያት እቲ ፀገም ኣከባቢያዊ ክኸውን ዝኽእለሉ ዕድል ከምዘየለ ሓቢሮም።

ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ኢትዮጵውያን ብፍላይ ናይ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ሰላም ዝተረጋገፀ ብምዃኑ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ መረበቶም ከምዝምለሱ ኣረጋጊፆም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብኹለ መዳይ ብምትሕብባር ይስራሕ ከምዘሎ እውን አገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment