ካብ ካሜሩን ዝመፅኡ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ልውውጥ ልምዲ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሚኒስቴር ሓለዋ ከባቢን ግብርናን ካሜሩን ዝመፅኡ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኣብ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ልውውጥ ልምዲ ገይሮም።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ብምቕባል ዘዘራረቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ማሙሻ ሀይሉ፥ እቲ ትካል ኣብ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ፣ መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ኢሉውን ዓውዲ ለምዓት ኢነርጂ ምውዳቡ ገሊፆም።

ኣብ ሰለስቲኦም ዓውዲታት ዝፍፀሙ ተግባራትን ፕሮጀክትታትን ብዝምልከት ከካብ ዓውዱ ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓ መብርሂ ሂቦም።

ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ብዝምልከት ኣተሓሕዛ መረዳእታ ሃፍቲ ማይ፣ ሓለዋ ድሕንነት ኣካላት ማይን ኣጠቐቕማ ማይን በዘምልከት እውን መብርሂ ተዋሂቡ።

Comments (0)
Add Comment