ካብ ከባቢ ዓፋር ናብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ትማሊ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ከባቢ ክልል ዓፋር ናብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያታት ሓዲስ ቅኝን ባላን ትማሊ ዝኣተወ ሓዱሽ ዕስለ ኣንበጣ ከምዘሎ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም።

እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ብህዝብን ኣመራርሓን ብዝተገብረ ርብርብ ካብ ዝራእቲ ወፃኢ ክሓድር ተገይሩ ኣሎ።

“ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ከቢድ ሓደጋ ከየብፅሕ ዝክኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና” ክብሉ እውን ሓቢሮም።

እቲ ስራሕ ግን ቀልል ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተጫጭሐ ዕስለ ኣንበጣ ካብ ዝሓለፉ መዓልታት ጀሚሩ ናብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያታት ማቻረን ሓወልትን እናምርሐ ምዃኑ ኣይተረዳኢ ኣገንዚቦም።

በብዕለቱ ብኬሚካል እናተነፀገ ክሳብ ሐዚ ናብ ዝራእቲ ከይፅጋዕን ኣብዘለዎ ክጠፍእን እናተገብረ ይኹን እምበር፥ “እቲ ናይ መኸተ ስራሕ ግን ሐዚ እውን ኣዝዩ ፈታኒ እዩ” ክብሉ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment