ካብ እዚ መምርሒ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

እዚ መምርሒ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ካብ ዝተጣየሸሉ ግዘ ጀሚሩ ዘሳለጦም ቀዳማይ ምዕራፍ ተግባራት ገምጊሙ፡፡

ትልሚ ቀዳማይ ምዕራፍ እቲ እዚ÷ ኣብ ከባቢ ባህርዳር፣ ደብረ ማርቆስ፣ ደብረ ብርሃን፣ ላሊበላ፣ ጎንደርን ሸዋ ሮቢትን ዝተኣኻኸበ ኣብ ዘረፋን ጥፍኣትን ዝተዋፈረ ጉጅለ ብምውቃዕን እተን ከተማታት ናብ ሰላማዊ ኩነታት ምምላስ ኢዩ ነይሩ።

እቶም ከባቢታት ዝተመረፁ÷ ብዙሕ ህዝቢ ዝነብረሎም፣ ልዑል ምንቅስቓስ ንግዲን ቱሪስትን ዘለዎም፣ ማእኸላት ፖለቲካን ኢንዱስትሪን ብምዃኖም ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዙሪያ ሽዱሽቲአን ከተማታት ዝመፅአ ጉጅለ ጥፍኣት መሳርሒኡ ከረክብን ኢዱ ክህብን ዝተውሃቦ ዕድል ብዘይምጥቃሙ ስጉምቲ ተወሲዱዎ፣ ልዕልነት ሕጊ እው ንኽኽበር እውን ተገይሩ።

ህዝቢ እቲ ክልል በቲ ዘራፊ ጉጅለ ስለዝተማረረ÷ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ልኡኽቶኦም ብዓወት ንኽዋፅኡ ግቡእ ሓገዝ ገይሩ ኢዩ፡፡ እቲ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ እውን ህዝቢ እቲ ክልል ንዝገበረሉ ምትሕብባር ምስጋንኡ የቕርብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እተን ከተማታት ካብ ስግኣት ምንጋጋ እቲ ዘራፊ ጉጅለ ናፃ ኮይነን ኢየን፡፡ ሰራዊት ምክልኻልን ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ እቲ ክልልን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተሸጎጠ ዘራፊ እናፅረየ ይርከብ፡፡ ማሕበረሰብ እውን ሓበሬታ ብመሃብ፣ ዓቕሚ ብዝፈቐዶ ነቲ ስራሕ ሓገዝ እናገበረ ይርከብ።

ስዕረት ዝተጎልበበ እቲ ጉጅለ ፅንፈኛታት ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ናብ ሓድጊ ቦታታትን ትካላት እምነትን ብምእታው ንምሕባእ እናፈተነ ይርከብ።

ሰራዊት ምክልኻልን ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ እቲ ክልልን፣ ስርዓትን ሞራልን ብዝሓለወ መገዲ ሓላፍነቶም እናተዋፅኡ ይርከቡ። ኣብ ቀፃሊ ድማ ናይ መወዳእታ ወፍሪ ምፅራግን ምእራይን ብምውጋን እተን ከተማታት ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ዝተማለአ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ክምለሳ ክግበር ኢዩ።

ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዝተውሃበ ስልጣን መሰረት ብምግባር እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ክሳብ ሕዚ 14 ተጠርጠርቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘውዓለ እንትኸውን÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ከከም ኩነታቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘውዕሎም ውልቀሰባት ኣመልኪቱ ኣድላዩ ሓበሬታ ንህዝቢ ዕላዊ ክገብር ኢዩ።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ተታሒዙ ዝነበረ ትልሚ÷ ከተማታት ካብቲ ዘራፊ ጉጅለ ናይ ምፅራይ ተግባር እናተዛዘመ ስለዝኾነ፣

  1. ካብ ሓሙስ 4 ነሓሰ ጀሚሩ ቅድም ኣብ ላዕሊ ዝተፀርሓ ከተማታት ስሩዕ በረራ ኣውሮፕላን ክጅመር ኢዩ፤
  2. ካብ ባጃጅን ሞተር ሳይክል ወፃእ ኩሎም ዓይነታት ግልጋሎታት ትራንስፖርት ከተማ ናብ ግልጋሎት ክኣተው ኢዮም፤
  3. ናይ መንግስቲን ማሕበረሰብን ግልጋሎት፣ ግልጋሎት ትካላት ንግዲ፣ ጥዕና፣ ፋይናንስ፣ ወዘተ. ግልጋሎት ክህቡ ክግበር ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ህዝቢ እቲ ክልል ንባዕሉ ካብቲ ዘራፊን ፅንፈኛን ዕስለ ብምፍላይ ኣብ ምክልኻል፣ ምስ መኽበርቲ ሕጊ ብምስላፍ ንዝገበሮ ተጋድሎ ደጊሙ ምስጋንኡ የቕርብ።

3 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

እዚ መምርሒ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment