ካብ ኣዳማ-ጂቡቲ ናይ እንስሳት ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባቡር ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኣዳማ ናብ ጂቡቲ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባቡር እንስሳት ዕላዊ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ታከለ ኡማ (ኢ/ር) ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ዋና ፈፃ ስራሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ሎሚ መዓልቲ ካብ ኣዳማ ናብ ጅቡቲ ንፈለማ እዋን እንስሳት ብባቡር ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ክንጅምር ኢና” ኢሎም፡፡

ብመሰረት እዚ ቅድም ክብል ንኣተውቲ ኣቑሑት ጥራሕ እናገልገሉ ዝነበሩ ክፍቲ ፉርጎታት ብምጥቃም እቶም እንስሳት ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ከምዝጅመር ገሊፆም፡፡

እንስሳት ብባቡር ናብ ወፃኢ ምጉዕዓዝ ኣብ እንስሳት ዘሎ ፅዕንቶ ትራንስፖርት ብምንካይ ፅሬት ኤክስፖርት ስጋ ከምዝቢ ኣመልኪቶም፡፡

Comments (0)
Add Comment