ካብ ኣመራርሓታት ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ልኡኽቶ ተቐቢሎም ሰሪሖም ዝተብሃሉ ተጠርጣሪ ዘቕረቡ መቃወሚ ተነፂጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ዝተዋፈሩ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣለም ደስታ ሃየሎም ዘቕረቡዎ መቃወሚ ክሲ ተነፂጉ።

እቲ መቃወሚ ክሲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 2ይ ጉዳያት ገበን ፀረ ግብረ ሽበራን ሕገመንግስታዊን ኢዩ ነፂጉዎ።

ተኸሳሲ ኣይተ ኣለም ዓቃቢ ሕጊ ብዝመስረተሎም ሕገ-መንግስቲን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ምፍታን፣ ካብ 1 ጥሪ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ክልል ኦሮሚያ ከይረጋጋእን እቲ ክልል ማእኸል ኊናት ንኽኸውን ከምኡ እውን መነግስቲ ፌዴራል ንኽፈርስን ስልጣን መንግስቲ ካብ ስርዓት ሕገ-መንግስቲ ወፃእ ብዝኾነ መገዲ ንምሓዝ ምሕሳብ እናሰርሑ ከምዝነበረ ኣብቲ ክሲ ተመልኪቱ ነይሩ።

19 ሰነ 2012 ዓ.ም ድማ ምስ ተወካሊ ኦነግ ሸኔ ተራኺቦም ኣብ ዞባታት ምዕራብ ወለጋን ኢሉባቡርን ብጉጅለ ህወሓት ብዛዕባ ዝግበር ሓገዝ ኣፅርን ናውቲን ንምዝርራብ ምስ ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ባሌማ ኣብ ዝሰርሑሉ መገዲ ኣብ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ትካል ኣገልግሎት ፖስታ ኢትዮጵያ 5ይ ደብሪ ኣብ ዝርከብ ቢሮ ምርድደኦም ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ክሱ ፀሪሑ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ተኸሳሲ ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ ክሲ ግቡእ ዘይኮነ ብምባል መቃወሚ ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ መቃወሚ ነፂጉዎ።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መጋባእያ፥ ዓቃቢ ሕጊ መረዳእታ መሰኻኽር ኣተሓሒዙ ንኸቕርብ ንሎሚ መዓልቲ ተኣዚዙ ዝነበረ ይኹን እምበር እቲ መረዳእታ ተተሓሒዙ ብዘይምቕራቡ ኣበ ቀፃሊ ቆፀሮ ኣተሓሒዙ ንኽቐርብ ብይን ንመሃብ ን4 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካብ መምርሒ ዕድጊት ወፃእ ትራክተራት ሕርሻ ብዝተጋነነ ዋጋ ዕድጊት ብምፍፃም ብገበን ግዕዝይና ስልጣን ዘይግቡእ ምጥቃም ዝተኸሰሱ ነበር ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ዝነበሩ ሜጀር ጄኔራል ክንፈ ዳኘው ሓዊሱ ሸሞንተ ተኸሰስቲ መከላኸሊ ምስክር ንኸስምዑ ቤት ፍርዲ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

መከላኸሊ ምስክር ተኸሰስቲ ንምስማዕ ድማ ን29 መጋቢት 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment