ካብ ኢትዮጵያ ክወፅኡ ዝተወሰነሎም ሰራሕተኛታት ውሕመ ሽርሒ ህወሓት እናፈፀሙ ዝነበሩ ኢዮም – ኣምባሳደር ታየ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኢትዮጵያ ክወፅኡ ዝተወሰነሎም ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካላዊ ስነምግባር ትካሎም ብምጥሓስ ፖለቲካዊ ቅዋም ሒዞም ሽርሒ ጉጅለ ህወሓት እናፈፀሙን እናሓገዙን ከምዝነበሩ ኣምባሳደር ታየ ኣፅ ስላሴ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ታየ ኣፅቀ ስላሴ ትማሊ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ካብ ኢትዮጵያ ክወፅኡ ዝተወሰነሎም ሰራሕተኛታት ናይ ባዕሉ ናይቲ ትካል ሕጊን ስነ-ምግባርን ብምጥሓስ ንኣዋርሕ ሽርሒታት ህወሓት ብምድጋፍ እናተንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ኣብሪሆም፡፡

ብሽርሒ ህወሓት ዝተጠለፉ እቶም ሰራሕተኛታት፥ ብምኽንያት እቲ ኲናት ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ተጎዲኦም ኢዮም፣ ተቐቲሎም ኢዮም ዝብል ናይ ሕሶት ምስሊ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እናመሓላለፉ ከምዝነበሩ ፀሪሖም።

ጉጅለ ኣባላት እቲ ግብረ ራዕዲ ንምምላጥ ፈተነ እናገበሩ ከምዝፀንሑ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት “ዳርፉር ክንገብሮ ኢና” ኢሎም ብምሕንፃፅ እናተንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ብጥሜት ዘይሞቱ ሰባት ከምዝሞቱ ብምቑፃር ቁፅሪ ተሓገዝቲ ብሚሊየናት ብምውሳኽን ካልኦትን ነቲ ጉጅለ ዘለዎም ወገናዊነት ኣብ ዘረጋግፁ ተግባራት ተሳቲፎም ኢዮም ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝርከቡ መብዛሕተኦም ሰራሕተኛታት ስረሖም ብግቡእ ከምዝሰርሑ ትግንዘብ ኢያ ዝበሉ ኣምባሳደር ታየ፥ ንኢትዮጵያ “ኣድለይቲ ዘይኮኑ ሰባት” ተባሂሎም ካብ ሃገር ክወፅኡ ዝተወሰነሎም ውልቀ ሰባት፤ ዝኣተዉዎ ቃል ዝዓፀፉ፣ ሞያዊ ስነ-ምግባሮምን መምርሒ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝተጠሓሱን ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ተግባራቶም ናይ ምክትታልን ምቁፅፃርን ስራሓ ኣጠናኺራ ብምቕፃል ሙሉእ ሉኣላዊ መሰላ ከምትጥቀም ኣገንዚቦም

ሞያዊ ስነ-ምግባር ኣኽቢሮም ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ሓለፍቲን እቲ ትካል ክብሪ ከምትህብ እውን ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንደሓር ገዲፎም ስራሕቲ ኣክቲቪዝም እናሰርሑ ከምዝነበሩን ነቲ ግብረ ራዕዲ ሓገዝ ምግቢ፣ መድሓኒት፣ ኣገልግሎት መራኸቢን ዝኣምሰሉ ድጋፋት እናገበሩ ከምዝፀንሑ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ብኽብሪን ብማዕርነትን ምስ ዝምለከተኣ ፈተውቲ ሓቢራ ንምስራሕ ቆራፅ ቅዋም ከምዘለዋ ዝገለፁ ኣምባሳደር ታየ፥ ሞያዊ ስነ-ምግባሮምን ኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዞምን ብግቡእ ዘሳልጡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ንምቕባል በራ ክፉት ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment