ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ኢትዮጵያ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዝሓተታ ሃገራት ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ሓይሊ ኤሌከትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣሸብር ባልቻ (ኢ/ር)፥ ኣብ ሓይሊ ልምዓት፣ ተበፃሕነትን ቀጣናዊ ተረባሕነትን ጠመተ ዝገበረ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ክሳብ ሐዚ በዘሎ ከይዲ ሱዳን፣ ጅቡቲን ኬኒያን ካብ ኢትዮጵያ ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮ-ኬኒያ ኣብ ዝተዘርገሐ መስመር ንታኒዛኒያ ቀረብ ሓይሊ ንምሃብ ናይ ፈተነ ስራሕ ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም።