ካብ ኢትዮጵያ ርሒቑ ዝፀንሐ ዓወት ኦሊምፒክ ማራቶን ብምምላሰይ ተሓጒሰ- ኣትሌት ታምራት ቶላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኢትዮጵያ ርሒቑ ዝፀንሐ ዓወት ኦሊምፒክ ማራቶን ብምምላሰይ ተሓጒሰ ክብል ኣብ ውድድር ማራቶን ፓሪስ ኦሎምፒክ ተዓዋትቲ ሜዳሊያ ወርቂ ዝኾነ ኣትሌት ታምራት ቶላ ተዛሪቡ።

ኣትሌት ታምራት ቶላ ሓዊሱ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 33 ውድድራት ኦሊምፒክ ዝተሳተፈ ልኡኽ ኢትዮጵያ ሎሚ ንጎሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ ይዝከር።

ነቲ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ኣትሌት ታምራት፥ ኢትዮጵያ ካብ ኣበበ ቢቂላ ጀሚሩ ብማራቶን እትፍለጥ ሃገር ምዃና ኣዘኻኺሩ።

ይኹን እንበር ዓወት ማራቶን ካብ ኢትዮጵያ ርሒቑ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያ ናብ እትፍለጠሉ ናይ ማራቶን ዓወታ ምምላስ ምኽኣሉ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ውድድር ፀባይ ኣየር ፓሪስ ዋዒ ዘለዎ ምዃኑ ከምኡወን ኣብ ውድድር ማራቶን ልምዲ ዘለዎም ኣትሌታት ምስታፎም እቲ ውድድር ከቢድ ክኸውን ከምዝገበሮ ሓቢሩ።

ነዚ ብምፅዋር ንዓወት ምብፅሑ ብምግላፅ፥ ደገፉ ንዝሃቦ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ኣሰጠንቲን ኣመራርሓ እቲ ጉጅለን አመስጊኑ።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment