ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 479 ሺሕን 830 ቶን ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብምልኣኽ ካብ ዘተትሐዘ ትልሚ 132 ነጥቢ 37 ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ፡፡
ካብ ሓፈሻዊ ኣታዊ ሕርሻ 53 ነጥቢ 25 ሚኢታዊ ብፅሒት እንትሕዝ÷ መዓድን 37 ሚኢታዊ፣ ማኑፋክቸሪንግ 5 ነጥቢ 43 ከምኡ እውን ኤሌክትሪክን ካልኦትን 4 ነጥቢ 33 ሚኢታዊ ብፅሒት ከምዘለዎም ሓቢሩ፡፡
ወርቂ፣ ቡብ፣ ኤሌክትሪክ ፍርያታት ጥረምረን ብኣታዊ ይኹን ብመጠን ካብ ትልሞም ንላዕሊ ኣፈፃፅማ ዘመዘገቡ ፍርያታት ከምዝኾኑ ሓበሬታ እቲ ሚስቴሩ የመላኽት፡፡