ካብ ንግዲ ወርቂ ዝርከብ ኣታዊ ይቕንስ ብምህላዉ ስጉምቲ ምምዕርራይ ይግበር ኣሎ-ኣይተ ማሞ ምህረት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰንኪ ፀገም ፀፅታን ዘይሕጋዊ ንግዲን ካብ ንግዲ ወርቂ ዝርከብ ኣታዊ ይቕንስ ብምህላዉ ስጉምቲ ምምዕርራይ ይግበር ኣሎ ክብሉ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረት ተዛሪቦም።

ዋጋ ወርቂ ወሲኽካ ምዕዳግ ዝብል ካብ መንጎ እቶም ስጉምቲታት ፈላማይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስርዓት ዕዳጋ ንምምዕርራይ ድማ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሕታዊ ዓዳጋ ወርቂ ብሄራዊ ባንኪ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ትመና ሸርፊ ወፃኢ ክቕንስ ኢዩ ብዝብል ዝውዛዕ ወረ እውን ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብለይኩን ኣለም

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment