ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ናይ ሰፈር ኣጀንዳ ብምውፃእ ኣብ መድረኽ ዓለም ዝግበአና ግደ መሪሕነት ክንፃወት ኣለና ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
“ልዕልነት ሓሳብ ንኩለ መዳይ መዕባለ” ብዘብል መሪሕ ሓሳብ መበል ሓምሻይ ዓመት ምስረታ ፓርቲ በልፅግና ምኽኒያት ብምግባር ኤግዚብሽን ስእሊ ኣብ ሳይንስ ሙዝዬም ተኸፊቱ።
ነቲ ስነ ሰርዓት ዝኸፈቱ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን፥ ብልፅግና ሓቛፋይነት ንምትግባር ሓደሽቲ ኣካይዳታት ተጠቒሙ ኢዩ ኢሎም።
ፈላማይ መንደቕ ምፍራስ ብዝብል ወሰንን ማእኸልን፣ ዋናን ኣጋርን፣ ዳያስፖራን ወዲ ዓዲን፣ ህዝባዊ መሰረትን ህዝባዊ መሰረት ዘይኮነን ዝብሉ ህዝቢ ዝፈላልዩ ህንፃታት ኣፍሪሱ ኢዩ የፍርስ እወነ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።
ብልጽግና ፓርቲ ንባዕሉ መራሒ ለውጢ ብምዃን ሓደ ሀብረ ብሄራዊነት ዘለዎን ኣብ ሓሳብ ዝተመስረተን ፓርቲ ምህናፁ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ብዙሓት ታሪካዊ ስብራታት ዘጋጠሙዋ ሃገር ምዃና ብምግላፅ፥ እቶም ስብራታት ቢቢእዋኑ እናተናግዑ ዕብየታ ይጎቱ፤ህዝባ የጓንፁ፤ ንፀላኢ በሪ ይኸፍቱ ከምኡውን ጥንካረኣ የዳኽሙ ኢዮም ኢሎም።
ስብራታ ንምፅጋን ከም ሃገር ንዘበናት ዘይተረዳዳእናሎም ጉዳያት ንምፍታሕ ንክከኣል ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ከምዝተጣየሸ ገሊፆም።
ንዘበናት ዝፀንሑ ናይ ፖለቲካ ቁስሊታት ንምሕካም ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ዘርጊሕና ኢና፤ መስ ዕጥቂ ዝነበረና ፖለቲካዊ ሓዳር ንምፍራስ ኮሚሽን ተሃድሶ ተመስሪቱ ኣሎ እውን ኢሎም።
ስለዚ ካብ ናይ ሰፈር ኣጀንዳ ብምውፃእ ኣብ መድረኽ ዓለም ዝግበአና ግደ መሪሕነት ክንፃወት ኣለና ክብሉ ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ኣፅንኦት ሂቦም።
ብፍሬህይወት ሰፊው