ካብ ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ክልል ኣምሓራ ንዝኣተዉ ዜጋታት ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት ፣ 2014 ( ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ንዝኣተዉ ዜጋታት ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ይግበር ከምዘሎ ብሄራዊ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ዞባ ወረዳ ዞን ሃብሩ ልዕል 88 ሺሕ ዜጋታት ምሓዝ ዝኽእል ልዕሊ 400 ሄክታር መሬት መፅለሊ ብምስራሕ ሰብኣዊ ደገፍን ናውቲን ናይ ምምላእ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ካብ ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ክልል ኣምሓራ ንዝኣተዉ ዜጋታት ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ይግበር ኣሎ።

ኣብ ከባቢ ከተማ ሃይቂ ንዘለዉ አውን ዘፅልሉሉ ግዚያዊ ጣቢያ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዋግህምራ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ተጋሩ እውን ኣብ ከተማ ሰቖጣ መዓስከር ተዳሊዩ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ነዚ ኣድላዪ እታዎት ተማሊኡ እቶም ተመዛበልቲ ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም።

እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ማዕስከር ናይ ምስፋር ስራሕ ድማ ንሓበሬታን ኣድላዪ ሰብኣዊ ደገፍ ንምግባርን ምቹው ኩነታት ከምዝፈጠረ ኣረዲኦም።

ነቶም ተመዛበልቲ ብመንገስቲ ዝግበር ደገፍ እኹል ስለ ዘይኮነ መዳርግቲ ኣካላትን ትካላት ተራድኦን ግደኦም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብኸሊእ መዳይ ገብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝፍፅሞም ትንኮሳታትን ወራርን ካብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ተመዛቢሎም ኣብ ዋግህምራን ሰሜን ወሎን ንዝርከቡ ዜጋታት ሰብኣዊ ደገፍ ንምግባር የስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቶም ካብ ከልቲኡ ከባቢ ዝመዛበሉ ዜጋታት ቁፅሮም ካብ ዕለት ናብ ዕለት የወስኽ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 124 ሺሕን 200 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ብመላኩ ገድፍ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment