ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ሃገረ ካብ ቱርኪ ዝመፅኡ ጉጅለ ሓኻይም ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ብምርካብ ሰለስተ ዕዉት ንቕለ ተኸለ ኩሊት ኣካይዶም፡፡
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ እቲ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ብምርካብ ንዝገበሩዎ ንቕለ ተኸላ ኩሊት ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ረድእ፡፡
ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ በርክ ባራን ኣብቲ ሆስፒታል ማእኸል ንቕለ ተኸላ ኣካል ንምጥያሽ ዘኽእል ፕሮጀክት ምስ ዶክተር መቅደስ ዳባ ምዝታዮም ይዝከር፡፡