ካብ ተግባር ክብርት ዶክተር ኣበበች ጎበና ንሕና እውን ንመሃር-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)  ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሕልፈት ህይወት ክብርት ዶክተር ኣበበች ጎበና ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ዜና ዕረፍቲ ብሰናይ ተግብረን ዝወዳደረን ዘይብለን  ክብርት ዶክተር አበበች ጎበናን እንትሰምዕ ልዑል ሓዘን ተሰሚዑኒ ኢለን።

ክብርት ዶክተር ኣበበች  ናይ ባዕለን ውላድ እኳ እንተዘይሃለወን ብዙሓት ቆልዑ ከምናይ ባዕለን ገይረን ኣባፂሐን ኢየን ኢለን።

ኣብ እዋን ድርቂ 1977 ዓ.ም 2 ቆልዑ ብምብፃሕ ዝጀመርኡ ሰናይ ተግባር ኣብ ዝሓለፉ 36 ዓማውቲ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ብምብፃሕ ንቑምነገር ከምዘባቀዓ ገሊፀን።

ስለዝኾነ ካብ ተግባር ክብርት ዶክተር ኣበበች ጎበና ንሕና እውን ንመሃር ኢለንፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ።

ንመላእ ቤተሰብን ደገፍተንን ድማ ምፅንዕናዕ ተመኒየን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment