ካብ ተሓጋዛይነት ብምልቓቕ ሓደጋ ንምፅዋር ዘኽእል ጥንኩር ሃገራዊ ቁመና ንምፍጣር እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይ ለውጢ ዓመታት ካብ ተሓጋዛይነት ብምውፃእ ብዓርሰ ዓቕሚ ሓደጋ ንምፅዋር ዘኽእል ጥንኩር ሃገራዊ ቁመና ንምፍጣር እናተሰርሐ ምዃኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ገሊፆም።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፃንሒት ገይሮም፡፡

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ÷ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘጋጥሙ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ተሓጋዛይነትን ልመናን ባህሊ ገይሮም ቀፂሎም ኢዮም።

ኣብ ናይ ለውጢ ዓመታት ካብ ተሓጋዛይነት ስነ ልቦና ብምውፃእ ብርእሰ ዓቕሚ ሓደጋ ንምፅዋር አኽእል ጥንኩር ቁመና ንምፍጣር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ፀጋታት ኢትዮጵያ ብምልማዕ ኣብ ረብሓ ምውዓል ስለዘይተኽኣለ ተሓጋዛይነትን ልመናን ልምዲ ኮይኑ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ባህሊ ፈጠራን ስራሕን ብዙሓት ሰባት እናጎድአ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብምዃኑ ድማ ፓርቲ ብልፅግና ብኹሉ ንኹሉን ናይ ኩሉ ዝኾነት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ልምዓት እናወገነ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ለውጢ ዓመታት ክብሪ ዜጋታት ንምርግጋፅ ፖሊሲታት ብናፅነት ትትግብር ጥንክርቲ ሃገር ንምህናፅ ትምህርቲ ዝህቡ ዓወታት ልምዓት ከምዝተመዝገቡ እቶም ሚኒስትራት ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment