ካብ ቡሎ ኣርፋጮ ናብ ከተማ ኣርባምንጭ 16 ሰባትን ባናናን ፅዒና እናተጓዓዘት ዝነበረት ጃልባ ኣብ ቃላይ ጫሞ ጥሒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ቡሎ ኣርፋጮ ናብ ከተማ ኣርባምንጭ 16 ሰባትን ባናናን ፅዒና እናተጓዓዘት ዝነበረት ጃልባ ኣብ ቃላይ ጫሞ ከምዝጠሓለት መምርሒ ፖሊስ ዞባ ጋሞ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ዜና ክሳብ ዝሰናዳእ ሰለስተ ሰባት ብህይወት ከምዝተረኸቡ እቲ መምርሒ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣረጋጊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ትማሊ ከባቢ ሰዓት 10፡20 ከመዘጋጠመ ዝገለፁ ሓላፊ ዲቪዥን ርክብ ህዝቢን ህንፀት ምስሊን ኮማንደር ረታ ተክሉ÷ ሕዚ እውን ስራሕቲ መድሕን ህይወት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም፡፡

መበገሲ እቲ ሓደጋ ልዕሊ ዓቐን ምፅዓን ክኸውን ከምዝኅእል ብምሕባር÷ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ተሳፈርቲ መዓልታዊ ሸቃሎ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

Comments (0)
Add Comment