ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ብልቓሕ ዝረኸበን 85 ትራክተራት ሎሚ ንዞባታት ኣከፋፊሉ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ እያሱ ኣብረሃ(ዶ/ር)፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ክልል ዝተኸፋፋላ ትራክተራት ዓብይ ለውጢ ኢና ርኢናለን ኢሎም።
ሕዚ እውን ብመሰረት እቲ ሓረስታይ ዘርኣዮ ጠለብ 85 ትራክተራት ብምምፃእ ንዞባታት ምክፍፋለን ገሊፆም።
እተን ትራክተራት ምስ ማሕረሸአን ምምፅአን ብምግላፅ፥ ንሓረስታይ ስልጠናን ዝተናወሐ ልቓሕን ብምሃብ ነተን ትራክተራት ናብ ስራሕ ክኣትዋ ምግባር ከምዘድሊ ተዛሪቦም።
ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሕፅረት ነዳዲ ንስራሕቲ ሕርሻ ዕንቅፋት ብምዃኑ መንግስቲ ፌዴራልን ዝምልከቶም ኣካላትን ተወሳኺ ደገፍ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።