ካብ መፋርቕ ወርሒ ጉንበት ጀሚሩ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ክረምታዊ ዝናብ ከምዝህሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጉንበት፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ መፋርቕ ወርሒ ጉንበት ጀሚሩ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ክረምታዊ ዝናብ ከምዝህሉ ብሄራዊ ሚቲዮሮሎጂ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ።

ዳሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ኣሕመዲን ኣብዱል ከሪም ከምዝገለፁዎ፥ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጉንበት ጀሚሩ ፅዕንቶ ዝናብ ክረምቲ ክብርትዕ ስለዝኽእል ሓረስቶትትን ሰበኽ ሳግምን ኣብ ዝርከቡሎም ከባቢታት ጉድኣት ከየስዕብ ጥንቃቐ ክግበር ይግባእ።

ፅዕንቶ እቲ ክረምታዊ ዝናብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኩሎም ዞባታት ወለጋ፣ ጅማ፣ ኢሉ-ኣባቦራ፣ ዞባታት ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ፣ ምዕራብ ጎጃምን ዙሪያ ባህርዳርን፤ ኣብ ዞባታት ክልል ሲዳማ ምስ ምጥንኻር ዝናብ ወሃብቲ ምስሊታት ሚቲዮሮሎጂ ተተሓሒዙ ስሩዕን ዘይስሩዕን ዝናብ ከምዝህሉ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ኣብ ዘተፈላለዩ ከባቢታት ምግህማስ መሬት፣ ምዕልቕላቕ ውሕጅ፣ ኣብ ልዕሊ ተሓራሲ መሬት ውሕጅ ጥሒሱ ምእታውን ዝራእቲ ምብልሻውን ዝበሉ ፅዕንቶታት ከስዕብ ከምዝኽእል ዘለዎም ስግኣት ምግላፆም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ኣብ ዝተወሰኑ ተፋሰስቲ ሓያል ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ እቲ ኩነታት መጠን ወራዲ ውሕጅ ክውስኽ ስለዝኽእል ኣብ ምዕቛር ዒላታት ማይ ኣወንታዊ ረብሓ ከምዝህልዎ ኣገንዚቦም።

እቲ ዝናብ ኣብ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ከባቢታት ስለዝሕይል ዝርከብ ማይ ብግቡእ ምጥቃም ከምዝግባእ ምዒዶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment