ካብ መቕደላ ዝተዘረፉ ሓድጊታት ካብ ለንደን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን ኲናት መቕደላ ብወራደራት ጀኔራል ናፒዬር ዝተዘረፉ 13 መርኣያ ጥንታዊ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ታሪኻዊን ሃይማኖታዊን ሓድጊታት ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ኣብቲ ስነስርዓት ርኽክብ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፣ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊን መፅናዕቲን ኢትዮጵያ፣ ኮሚቴ መላሲ ሓድጊታት ኢትዮጵያን፣ ከምኡ እውን ኣቦታት ሃይማኖት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዓውዲን ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ተገይሩ።

ኮሚቴ መላሲ ሓድጊታት ኢትዮጵያን ኣብ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ምስ ፋውንዴሽን ሼሄራ ዛድ ብምትሕብባር ብዝገበሩዎ ፃዕሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 3 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከምዝተመለሱ ይፍለጥ።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment