ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ መሸጣ ሓይሊ ውሽጢ ሃገር 8 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ፡፡
ምመሕዳርን ትሕዝቶን ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀዳማይ ርብዒ በጀት ዓመት 2017 ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገምጊሙ።
ኣብ ፀብፀብ ኣፈፃፅማ ከምዝተገለፀ፤ ንመፈፀሚ ስሩዕን ካፒታል ፕሮጀክታትን 110 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ፀዲቑ ናብ ስራሕ ተኣትዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ እቲ ትካል ካብ መሸጣ ሓይሊ ውሽጢ ሃገር 8 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ከምኡ እውን ናብ ወፃኢ ሃገርን ንዳታ ማይኒንግን ካብ ዝቐረበ ሓይሊ 59 ነጥቢ 42 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካን ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣብቲ ፀብፃብ ተፀሪሑ፡፡
ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 7 ሺሕን 200 ሜጋ ዋት ከፈልፍሉ ዝኽእሉ ሓሙሽተ ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ፕሮጀክታት እናተወገነ ከምዝኾነ እውን ሓበሬታ እቲ ትካል የመላኽት።