ካብ መስቀል ኣደባባይ ናብ ቦሌ ዝወሰድ መገዲ ብምኽኒያት ስራሕቲ ልምዓት ብኽፋል ከምዝዕፆ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ መስቀል ኣደባባይ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝወስድ መገዲ ብምኽኒያት ስራሕቲ ልምዓት ብኽፋል ከምዝዕፆ ተገሊፁ።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዝበሎ፥ ብምኽኒያት ልምዓት ኮሪደርን ምንፃፍ ፀሊም ፅርግያን እቲ መገዲ ንተሽከርከርቲ ዕፁው ኮይኑ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ፦

– ካብ ለገሃር ብመስቀል ኣደባባይ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ

– ካብ እስጢፋኖስ ብቐጥታ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ

-ካብ ኡራኤል ብመስቀል ኣደባባይ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ

ከምኡወን ብውሽጣ ውሽጢ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝወስዱ መገዲታት ካብ 26 ግንቦት ጀሚሩ በቢዕለቱ እቲ ስራሕቲ ልምዓት ክሳብ ዝኽንበት ካብ 8 ሰዓት ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 12:30 ንጎሆ ንተሽከርከርቲ ብኽፋል ዕከምዝዕፀዉ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment