ካብ መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተውሃበ እዋናዊ ሓሬታ ቁፅሪ 5

16ን 17 መስከረም ዝኽበሩ በዓላት መውሊድ፣ ዳሜራን መስቀልን ኣብ ክልል ኣምሓራ ነናይ ሃይማኖቶም ስርዓት ብዝፈቕዱዎ መገዲ ንኽኽበሩ ኮማንድ ፖስት እናሰርሐ ይርከብ።

ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተኸልከሉ ይፍለጥ። ምኽንያቱ ድማ ፅንፈኛን ዘራፊን ሓይሊታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከብፅሑዎ ዝኽእሉ ጉድኣት ንምንካይ ተሓሲቡ ዝተገበረ ኢዩ። 16ን 17 መስከረም ዝኽበሩ ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ ኣደባባይ ዝኽበሩ በዓላት ብምዃኖም ንስነ-ስርዓት እቶም በዓላት ብምሕሳብ ኣብ ኣደባባይ ምትእኽኻብ ምፍቃድ ኣድልዩ።

ብምዃኑ እዞም ዝስዕቡ ትእዛዛት ንኽፍፀሙ መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን የፍልጥ፦

  1. እዞም ምትእኽኻባት ንስነ-ስርዓት ሃይማኖታዊ ኣከባብራ በዓል ጥራሕ ዝውዕሉ ኢዮም።
  2. ምትእኽኻብ ኣደባባይ ኣከባብራ እቶም በዓላት ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ጥራሕ ዝካየዱ ኢዮም።
  3. ኣብ እዋን ምኽባር እዞም በዓላት ንድሕንነት ህዝቢ ተባሂሉ ምስ ኣካላት ፀፅታ ምትሕብባር ግዴታ ኢዩ።

14 መስከረም 2016

መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment