ካብ ሕጋዊ መስራሕቶም ወፃእ እናሰርሑ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሕጋዊ ክኾኑ ዝኽእሉሉ ኩነታ ንኽመቻቾ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ባህሬን ካብ ሕጋዊ መስራሕቶም ወፃእ እናሰርሑ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሕጋዊ ክኾኑ ዝኽእሉሉ ኩነታ ንኽመቻቸወሎም ተሓቲቱ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን ሽፈራው ገነቲ ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ በዓል መዚ ተቖፃፃሪ ሰራሕተኛታት ባህሬን ኒብራስ መሓመድ ታሊብ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ባህሬን ብዛዕባ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ሓለዋ መሰልን ካብ መስራሕቶም ጠፊኦም እናሰርሑ ዝርከቡ ዜጋታት ሕጋዊ ክኾኑ ኣብ ዝኽእሉሎም ኣማራፂታትን ትኹረት ገይሮም።

ሓደ ሓደ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ካብ ዝሰርሑሎም ቦታታት ብምጥፋእ ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወፃእ እናርሑ ከምዝርከቡ ኣምባሳደር ሽፍራው ኣብ ዘተኦም ገሊፆም፡፡

ብምዃኑ ድማ ይቅርታ ተገይሩሎም ሕጋዊ ንኽኾኑ በቲ በዓል መዚ ኣቢሉ ኩነታት ንኸመዓራረየሎም ሓቲቶም፡፡

ኒብራስ መሓመድ ታሊብ ብግደኦም÷ “ሕጋዊ ኣሰራርሓ ብምጥሓስ ካብ መስራሕቶም ወፃእ እናሰርሑ ዝርከቡ ዮጵያውያን ብዝምልከት እቶም ሰራሕተኛታት ካብ ኣስራሕቶም ዝጠፍኡሉ ምኽንያት ብምርኣይ ሓቃውነቱ እንትረጋገፅ  ሕጋዊ ክኾኑ ናይ ምግባር ስራሕ ክውገን ኢዩ” ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment