ካብ ሓደ ተሓካሚ ብሕክምና መጥባሕቲ ልዕሊ 110 ሓፂነ መፂን ምውፃእ ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ኣለርት ካብ ሓደ ወዲ 46 ዓመት ተሓካሚ ብሕክምና መጥባሕቲ ልዕሊ 110 ሓፂነ መፂን ምውፃእ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ፡፡

ልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ኣብ ዝወሰደ ሕክምና መጥባሕቲ መዓንጣ፤ ካብቲ ተሓካሚ ሓደ ቁልፊ፣ ምስማርን ብሎን ዝበሉ ዝተፈላለዩ ሓፂነ መፂን ከምዝወፅኡ ሓበሬታ እቲ ሆስፒታል የመላኸት፡፡

Comments (0)
Add Comment