ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ዝበሃል ኣወዳድባ የለን- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ዝበሃል ኣወዳድባ የለን ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዥር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ኣብ ትካላት ፀፅታ ፌዴራልን ክልላትን መሊስካ ናይ ምውዳብ ስራሕ ጀነራላት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራልን ሓለፍቲ ስራሕ ክልላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ተገምጊሙ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ ፍሉያት ሓይሊ ክልላት ከምብሓዱሽ በምውዳቦም ህብረ ብሄራዊ ጠንካራ ትካል ፀፅታ ከህነፅ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረቶ ፀገም ፀፅታ ብህፁፅ ምውፃኣ ብምግላፅ፥ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ እዋንታዊ ኩነታት ይፍፀም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣወዳድባ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ሕጋዊ ዘይምዃን፣ ኣብ መንጎ ክልላት ከም ስግኣት ምርእኣይ ከምኡውን ፀገማት ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝግበር ምንቅስቓስ እቲ ኣወዳድባ ንምቕያር ኣገዲዱ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኩለን ክልላት መሊስካ ናይ ምውዳብ ስራሕ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ብምግላፅ፥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ዝበሃል ኣወዳድባ የለን ክብሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment