ካብ ህዝቢ ብዛዕባ ዝተልዓሉ ሕቶታትን መፍትሒኦምን ብምድሃብ ምይይጥ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ህዝቢ ብዛዕባ ዝተልዓሉ ሕቶታትን መፍትሒኦምን ብምድሃብ ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣፈፀምቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ይዝትዩ ኣለዉ።

ህዝቢ ዘልዐሎም ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር ምላሽ ንኽረኽቡ እቶም ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብቆራፅነት ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2014 ዓ.ም ኣብ መረፃ ክልሎም ተረኺቦም ምስ ዝመረፆም ህዝቢ ልዝብ ምግባሮም ይዝከር፡፡

ኣብቲ እዋን ድማ ብዙሓት ሕቶታት ኣልዒሎም ከምዝነበረ ተፀሪሑ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ህዝቢ ብዝተለዓሉ ሕቶታት፥ ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣፈፀምቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ይዝትዩ ብዛዕባ እቶም ሕቶታትን መፍትሒታቶምን ኣድሂቦም እናዘተዩ ከምዝኾኑ ካብቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment