ካብ ሃገራት ዓረብ ዝምለሱ ዜጋታት ብዘላቕነት እግሪ ንምትካል ፃዕሪ ይግበር ኣሎ- ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሃገራት ዓረብ ዝምለሱ ዜጋታት ብዘላቕነት እግሪ ንምትካል ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ክብላ ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ገሊፀን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ 100 መዓልታት እዚ በጀት ዓመት ተሳሊጡ።

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝተልዓሉ ቀንዲ ቀንዲ ሃገራዊ ጉዳያት ዝጠመተ መብርሂ ሂበን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፊ 10 ኣዋርሕ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተሰደቱ ዜጋታት ናይ ምምላስን መጥቃዕቲ ህፃናት ናይ ምክልኻልን ስራሕ ዕዉት ከምዝነበረ ተዛሪበን።

ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብምትሕብባር ናብ ወፃኢ ዓዲ ዝኸዱ ቆልዑ ምስ ስድረኦም ንክራኸቡ ከምዝተገበረ እውን ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ኣብ እትኽተሎ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ይግበር ከምዘሎ ሓቢረን።

ብመሰረት እዚ ካብ ስዑዲ ዓረብ፣  ኦማንን ሱዳንን 90 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኢለን።

ካብ ሃገራት ዓረብ ዝምለሱ ዜጋታት ብዘላቕነት እግሪ ንምትካል ፃዕሪ ይግበር ኣሎ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

 

Comments (0)
Add Comment