ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፅኡ መራሕቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 1ይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ንመርሃ ግብሪ ምምህሃር ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ናብታ ከተማ ንዝመፅኡ መራሕቲ ቀዳማይ ደረጃ ኣቢያተ ትምህርቲ ክስፋሕፍሑን ንህፃናት ምቹዋት ንኽኾኑ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣጎብንየን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ ኣቢያተ ትምህርቲ መሰረት ህንፀት ትውልዲ ብምዃኖም ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ ካብ ምስፍሕፋሕ ጀሚሩ 223 ቅድመ ቀዳማይ ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ሓሙሽተ ኣቢያተ ትምህርቲን 97 ጣቢያታት ጥዕናን ሞዴል ብምግባር ምስግጋር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

“ንመርሃ ግብሪ ምምህሃር ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ከተማና ዝመፅኡ መራሕቲ ቅድመ ቀዳማይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ክስፋሕፍሑን ንህፃናት ምቹዋት ንኽኾኑ፣ ህፃናት ብፀወታ መልክዕ ንኽመሃሩ፣ ጥዕና ህፃናት ንምሕላውን ዝተማለአ ዕቤት ንኽህልዎም ኣቢያተ ትምህርቲን ጣቢያታት ጥዕናን ንህፃናት ምቹዋት ንምግባርን ንምስግጋርን ዝሰራሕናዮም ስራሕቲ ኣጎብኒና” ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment