ካብኔ መሰረተ ልምዓት ክልል ትግራይ ኣብ ስራሕቲ ቀረብ ማይ መስተን መስኖን ዑደት ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ማይን ኢነርጅን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብኔ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ስራሕቲ ቀረብ ማይ መስተን መስኖን ዑደት ከምሳለጠ ሓቢሩ ።

ኣብቲ ዑደት፥ ካብ ቢሮ ትራንስፖርትን መጓዓዝያን፣ በዓል መዚ መንገድታት ክልል ትግራይ፣ ከተማ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ማይን ኢነርጅን ከምኡ እውን ካብ ምምሕዳር ወረዳታት እቲ ዞባ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሓፋሸ ማሕበራትን ተረባሕቲ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ዝተውፃእፅኡ ምዃኖም ተገሊፁ።

እቶም ዑደተኛታት፥ ሓረስቶት ብማሕበራት ተወዲቦም ጠለ በጊዕ ሸይጦም ሕድሕድ ኣባል ማሕበር 200 ሽሕ ብምዉፃእ ብ4 ሚልየን ብር ምስ ተከዘ ዉዕሊ ብምእሳር ንልምዓት መስኖ ዝውዕል ኳዕቲ ማይ የሳልጡ ምህላዎም ተዓዚቦም።

ብተወሳኺ ብምትሕብባር ቢሮ ማይን ኢነርጅን ዓለም ለኸ ትካል መድሕን ህፃናት ዩኒሴፍን ዝተሃነፀ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ ቀረብ መስተ ማይ ዑደት ከምዝገበሩ ተሓቢሩ።

ዳይሬክተር ቀረብ መስተ ማይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን  ኣይተ ታጠረ ሓዲስ፥ እቲ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ ትካል ቀረብ መስተ ማይ ዓቕሙ 30 ኪሎ ዋት ኢዩ ኢሎም።

ንሰብን እንስሳትን እቲ ከባቢ ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment