ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናብ ስራሕ ክኣቱ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናብ ስራሕ ክኣቱ ኢዩ ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ሙሉ ነጋ ኣፍሊጦም።

ዶክተር ሙሉ ነጋ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ኩሎም ኣብያተ ዕዮ መንግስቲን ትካላት ንግዲን ኣገልግሎት ምሃብ ንክጅምራ ዘኽእል ምውዳድ ምስዝምልከቶም ኣካላት ይፍፀም ኣሎ ኢዩ ኢሎም።

ነበርቲ ድሕንነቶም ተሓሊዩ ናብ ዕለታዊ ምንቅስቓሶም ንክምለሱ እዉን ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ካቢኔ እቲ ክልል ከምዝተወደበ ዝሓበሩ ዶክተር ሙሉ፥ እቲ ካቢኔ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናብ ስራሕ ክኣቱ ኢዩ ኢሎም።

ብጁንታ ህወሓት ተደናጊፆም ስራሕ ደው ዘበሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እዉን ካብ ዕለተ ሰኑይ ጀሚሮም ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ኣተሓሳሲቦም።

በቲ ዝተሓበረ ዕለት ናብ ስርሑ ዘይምለስ ሰራሕተኛ እንተሃሊዩ ግን ብናይ ባዕሉ ፍቓድ ስራሕ ከምዝለቐቐ ይሕሰብ ኢሎም።

መቐለ ሓዊሱ ኣብዝሓ ከተማታት እቲ ክልል ሰላምን ምርግጋዕን ከምዝተፈጠረ እዉን ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment