ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምፍታሕ እሱራት ዝጠመተ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ንምዕሟቕን ብገበን ተጠርጢሮም ዝተትሓዙን ዝተፈረዶምን ሰባት ካብ ቤት ህንፀት ንምፍታሕ ዝጠመተ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፥ እቲ ውሳነ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ህዝቦም ንክኽሕሱ ዕድል ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕለት 06 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብምቁራፅ፣ ምልዓል፣ ምፅራይ፣ ክሲ ከምኡውን ብይቕሬታ እሱራት ክፍትሑ ምውሳኑ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ሓቛፋይ ዝኾነ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተጣይሹ ኣብ ስራሕ ከምዝርከብ ብምዝኽኻር፥ ”እቲ ስምምዕነት ነተ ዝነበረ ኲናት መሰረት ዝገበሩ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጃት ስዒቦም ዝመፅኡ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ሒዝካ ምቕፃል ኣብ ዳግመ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ስራሕትና ዘዐንቅፉ ኢዮም” ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተጀመረ ፖለቲካዊ እሱራት ተጋሩ ናይ ምፍታሕ ተበግሶ ንምብርትታዕን ኣብ መንጎ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ዝበለፀ ምትእምማን ብምፍጣር ዘላቒ ንምግባርን ዘድሊ ጥጡሕ ባይታ ምርግጋፅን እዋናዊ ሓላፍነት ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ እዞም ገበናት ፈፂሞም ዝተኣሰሩ ሰባት ብይቕሬታ፣ ክሲ ብምልዓልን ምፅራይ ብምቁራፅን ብምፍታሕ ናብ ሕብረተሰብ ተፀምቢሮም ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ተሳተፍቲ ንክኾኑ ምግባር ኣድላዪ ብምዃኑ እቲ ውሳነ ከምዝተውሃበ ኣብሪሁ።

ብመሰረት ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995ነ ዓንቀፅ 15/2/ን ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ብዕለት 09 መጋቢት 2015 ዓ.ም ዘውፅኦ ደንቢ ዓንቀፅ 5ን ንቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ክልል ዝተውሃቦ ስልጣንን ተግባርን ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንኽፍፅም ብዝተውሃቦ ሙሉእ ስልጣንን ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ ክልል ትግራይን 49/3/ሀን መሰረት ብምግባር ዝስዕብ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ብህፁፅ እዋን ኣዋጃት ቁፅሪ 358/2013ን 359/2014ን 365/2015፣ ብህፁፅ ደንቢታት ቁፅሪ 115/2014፣ 117/2014፣ 119/2014 ዓ.ም፣ ኣብ 20013 ዓ.ም ዝወፅአ ስሪት ሓራ መሬት ብፌዴሪኢ ገበን ሕጊ መሰረት ኣብቲ ውሳነ ሓሳብ ዝተዘርዘሩ 30 ነጥብታት ዘለዉ ገበናት ዝተጠርጠረ ወይ ዝተኸሰሰ ወይ ዝተፈረደ ሰብ ምፅራይ ክቋረፅ፣ ክሱ ክለዓልን ብይቕሬታ ክፍታሕን ውሳነ ተመሓላሊፉ።

ኣፈፃፅማ እቲ ውሳነ ወይ ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣብ ምፅራይ ዝነበረ መዝገብ ዝቋረፅ ክሲን ዝለዓልን ብይቕሬታ ምፍታሕን ዝፍፅሙ ኣካላት ብዝምልከት፥ እቲ ውሳነ ብጥቡቕ ዲሲፕሊንን ብህፁፅን ንክፍፀም ንዝምልከቶ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ቢሮ ፍትሒ፣ ኮሚሽን ፖሊስ፣ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዚይናን፣ ኮሚሽን ምምሕዳር ኣብያተ ህንፀት ክልል ትግራይ ምትሕልላፉ ኣብ መብሪሂኡ ሓቢሩ።

ካብ ዕለት 05 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ተፈፃሚ ከምዝኸውን እውን ገሊፁ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment