ካቢኔ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ካቢኔ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ምምሕዳር ልምዓት መሬት፣ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፣ ሓይሊ ሰብን ናይ ኣሰራርሓ ዓምዩቕ ሪፎርም መተግበሪ ረቂቕ ደንቢ ብምዝታይ ኢዩ እቲ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ክባርን ውሱንን ዝኾነ መሬት ኣዲስ ኣበባ ንምምሕዳርን ቅድመ ሐዚ ዝነበሩ ናይ ኣሰራርሓ ፀገማት ብዝተወደቡን ብቑዕ ዝኾነን ሙያተኛ ከውደቡ ዝኽእሉ፣ ዘበናዊ በልሓት ኣሰራርሓ ብዘሳልጡን ግዕዙይ ኣሰራርሓ ክከላኸሉ ዝኽእሉ ናይ ሕጊ ማዕቐፋት መርሚርካ ብምፅዳቕን ኣተገባብርኡ ብጠንካራ ስነ ምግባር ንክምራሕ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆትን ፕሮጀክት ሙዚየን 00 ኪሎ ሜትሮ ዓድዋን ካብ ሓደ ናይ ሕጊ ማዕቐፍ ምምሕዳር ዝከኣለሉ ረቂቕ ደንቢ መርሚሩ ብሙሉእ ድምፂ መፅዳቑ ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment