ካርሎ አንቸሎቲ ኣሰልጣኒ ጋንታ ኤቨርተን ኮይኖም ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)እንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤቨርተን ንኣልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ ዋና አሰልጣኒኣ ብምግባር ከምዝሾመት ኣፍሊጣ።

ኤቨርተን ብኩንትራት 4 ዓመትን መንፈቕን ንጣልያናዊ ካርሎ ኣንቸሎቲ ዋና አሰልጣኒ እታ ጋንታ ብምግባር ከምዝቖፀረቶም ገሊፃ።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ጋንታ ናፖሊ ዝተሰናበቱ ወዲ 60 ዓመት ካርሎ ኣንቸሎቲ፥ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ጉዲሰን ፓርክ ንዝተሰናበቱ ኣሰልጣኒ ማርኮ ሲልቫ ብምትካእ ነታ ክለብ ተረኪቦም ኣለዉ።

ተዓዋቲ ሰለስተ ፅዋዕ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ካርሎ አንቸሎቲ ካብ ቸልሲ ምስተባረሩ ድሕሪ 8 ዓመትን መንፈቕን ኢዮም ናብ ፕሪሜር ሊግ ክምለሱ ዝኸኣሉ።

ናብ ኤቨርተን ምፅምባሮም ከምዝተሓጎሱ ዝገለፁ አሰልጣኒ ካርሎ አንቸሎቲ፥ እታ ጋንታ ውፅኢት ስለ ዘድልያ ንኽመፅኡ ከምዝተገደዱ ሓቢሮም።

ኣንቸሎቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዴም ጉዲሰን ፓርክ ተረኺቦም ኤቨርተንን አርሰናልን ዝገብረኦ ፀወታ ከምዝዕዘቡን ፅባሕ ድማ ነታ ክለብ ብዕሊ ክምዝርከቡዋን ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ www.bbc.com/sport

 

 

 

Comments (0)
Add Comment