ካሪም ቤንዜማ ካብ ፅዋዕ ዓለም ወፃኢ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምጥቃዕ ካሪም ቤንዜማ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ካብ ፅዋዕ ዓለም ወፃኢ ከምዝኾነ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ኣፍሊጣ፡፡
ካሪም ቤንዜማ ካብቲ ውድድር ወፃኢ ኮይኑ ዘሎ፥ ትማሊ ኣብ ልምምድ እናሃለወ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ጭዋዳ ከምዝኾነ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳ ገፃ ዕላዊ ገይራ፡፡
ተዓዋቲ ሽልማት ባሎንዶር 2022 ቤንዜማ፥ ካብ ዘጋጠሞ ጉድኣት ንምሕዋይ ብውሑዱ ሰለስተ ሰሙን ከምዘድልዮ ተሓቢሩ፡፡
ኣብ መላእ ዓለም ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ኳታር ክጅምር ኢዩ።
Comments (0)
Add Comment