ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ክፍፀም ኢዩ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ክፍፀም ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ተዛሪቦም።

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓበይቲ ወሓዝቲ ሩባታትን ዝርከቡ ሚሲዮኖች ፌዴሪኢ ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብምትሕብባር “ፍትሓዊ ኣጠቐቕማ ናይል፣ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንክልላዊ ምትሕብባር ዘለዎ ግደ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተሰናድአ ዘተ ኢንተርኔት ተሳቲፎም።

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብሰለስቲአን ሃገራት ብሄራዊ ጉጅለ ሳይንትስት ብመሰረት ዘውፅኦ ሰሌዳ ግዜ ከምዝካየድ ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።

ሰለስቲኣዊ ድርድር ብመሰረት መርህ ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ውፅኢታዊ ንክኸውን ሕብረት ኣፍሪካ ልዑል ግደ ከምዝጫወት ዘለዎም እምነት ኣረጋጊፆም።

ግብፅን ሱዳንን እቲ ጉዳይ ዓለም ለኻዊ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንክግበር ፃዕሪ ይገብራ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ምክትል ጉዳይ ወፃኢን ሚኒስትር ምትሕብባር ጉዳያት ዓለም ለኸን ደቡብ ሱዳን ደንግ ዳው ደንግ ብግደኦም፥ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንኹሉ ተረባሒ ዝገብር ፕሮጀክት ሰላም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፓርላማ ሃገሮም ኣብ ቀረባ እዋን ማዕቐፍ ሰምምዕነት ናይል ከምዘፅድቕ እውን ኣፍሊጦም።

እቲ ሰለስቲኣዊ ድርድር ንኹሉ ተረባሒ ኣብ ዝገብር ስምምዕነት ዕልባት ከምዝግበር እውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም ክብል ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment