ካልኣይ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስን ምርኢትን ቡን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዓለም ለኸ ምርኢትን ኮንፈረንስን ቡን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ምርኢትን ኮንፈረንስን፥ “ቡን ካብ ሃገረ መበቆል ሰባት /ምድረ ቀደምት/” ብዝብል መሪሕ ቓል ንሰለስተ መዓልቲ ከምዝኽበር ተገሊፁ።

ኣብቲ ምርኢት ሚኒስተር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴንን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቡን ሻሂን ዶክተር ኣዱኛ ደበላ ሃዊሱ ዝተፈላለዩ ሓፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ኣፍረይቲን ዓደግቲን ቡን ብቐጥታ ብምርኻብ ዘለዎም ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ይሕግዝ ኢዩ ኣብ ዝተብሃለሉ እቲ ምርኢት፥ ልዕሊ 200 ብብርኪ ዓለም ለኸ ቡን ዝዕድጉን ሙሁራት እቲ ዓውዲን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ኣብቲ መድረኽ ፍርያት ኢትዮጵያ ዝኾነ ቡን ኣብ መድረኽ ዓለም ንምፍላጥ ዘገልግል ሓቛፊ ምልክት (ብራንድ ሎጎ) ዕላዊ ተገይሩ።

ልዕሊ 400 ተሳተፍቲ ውሽጢ ዓዲ 56 ዝኾኑ ፍርያታቶም ኣብቲ መድረኽ ንምርኢት ከቕርቡ ኢዮም።

Comments (0)
Add Comment