ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብዝተገበረ ሃገር ለኸ ፃውዒት እናተኻየደ ዝነበረ ውድድርን ስልጠናን ተዛዚሙ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ 462 ሓሳባት እቶም 30 ንሽልማት በቒዖም።
እቲ ሽልማት ዘበርከታ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ “ዝተመልከትናዮም ሓሳባት ፈጠራን ውፅኢታትን ሓጊዝካ ናብ ስራሕ ምቕያር እንተተኻኢሉ ከም ሃገር ብሩህ ዝኾነ እዋን ከምዝፅበየና ዘርኢ ኢዩ” ኢለን፡፡
እቶም መናእሰይ ቁፅሮም ውሑድ ይምሰል እምበር ኢትዮጵያ ዘይተነኽኡ ዓሞቕቲ ዓቕሚታት ከምዘለዉዋ መርኣያ ከምዝኾኑ ተዛሪበን፡፡
በቶም መናእሰይ ዝተምሃዙ ሓሳባት ስራሕ ንባዕሎምን ካልኦትን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዓቢዪ ጉልበት ዘለዎም ከምዝኾኑ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ መናእሰይ ዝገጥሙዎም ማሕለኻታት ተፃዊሮም ንኻልኦት ተስፋ ንኽኾኑ ኣተሓሳሲበን፡፡
እቲ ውድድር ምስ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ፋውንዴሽን ማስተር ካርድን ብምትሕብባር ዝካየድ እንትኸውን፥ ተሸለምቲ ንፈጠራ ሓሳብ ንግዶም 5 ሺሕ ዶላር ሽልማት ከምዝተበርከተሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።