ካልኣይ ብርኪ ብሔራዊ መልቀቒ ፈተና 2015 ዓ.ም ብዓወት ተዛዚሙ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ብርኪ ብሔራዊ መልቀቒ ፈተና 2015 ዓ.ም ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ዕቤትን ምዕባለን ሃገር ዝረጋገፅ ስነ-ምግባርን ፍልጠትን ፅሬት ብዘለዎ ሓይሊ ሰብ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

“ብምዃኑ ድማ ፖሊሲን ኣሰራርሓን ብኡ ልክዕ ከምዝተቓነየ፤ እዚ ጅማሮ ብዕምቆትን ብዝተፀንዐን ፍኖተ ካርታ ትምህርቲ ኣብ ተግባር ውዒሉ” ኢሉ።

ሓደ ኣካል እቲ ፍኖተ ካርታ ድማ ተምሃሮ ብሓቂን ሳይንሳዊ ብዝኾነ መገዲን ምምዛን ዕዙዝ ዝላ ከምዝኾነ ገሊፁ።

መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ 2015 ዓ.ም እውን ተኸታሊ እቲ ፃዕሪ ኮይኑ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት÷ ኣብ ኣወሃህባ ፈተና ማሕበራዊ ሳይንስ ካብ ዝተርኣዩ ጥንኩራትን ድኹማትን ጎኒታት ተገምጊሞም ኣብ ፈተና ተፈጥሮ ሳይንስ ዝተሰርሐ ስራሕ ኣዚዩ ዕዉት ከምዝኾነን መርሃ ግብሪ ምሃብ ፈተና ተፈጥሮ ሳይንስ ኣብ መላእ ሃገር ብዓወት ከምዝተዛአዘመን ኣፍሊጡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment