ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ማንቼስተር ሲቲን ምስ ኢንተርሚላን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ምሸት ሰዓት 1፡45 ጣሊያናዊት ጋንታ ቦሎኛ ምስ ዩክሬናዊት ጋንታ ሻካታር ዶኔስክ ከምኡ እውን ጋንታ ቼክ ሪፐብሊክ ስፓርታ ፕራግ ምስ ኦስትሪያዊት ጋንታ ሬድቡል ሳልዝበርግ ክራኸባ ኢየን፡፡

ብኻሊእ መዳይ÷ ስኮትላንዳዊት ጋንታ ሴልቲክ ምስ ስሎቫኪያዊት ጋንታ ስሎቫክ ብራቲስላቫ፣ ክለብ ብሩጅ ምስ ቦሩሺያ ዶርቱመንድ፣ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኢንተርሚላን፣ ፒኤስጂ ምስ ዢሮና ብተመሳሳሊ ሰዓት ምሸት 4፡00 ክራኸባ ኢየን፡፡

ትማሊ ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ፤ ጁቬንቱስ ንፒኤስቪ ኣይንድሆቨን 3 ን 1፣ ኣስቶንቪላ ንጋንታ ስዊዘርላንድ ያንግ ቦይስ 3 ን 0፣ ባየርንሙኒክ ንሰርቢያዊት ጋንታ ዳይና ሞዛግሬብ 9 ን 2፣ ሪያልማድሪድ ንስቱትጋርት 3 ን 1፣ ሊቨርፑል ንኤሲሚላን 3 ን 1፣ ስፖርቲንግ ሊዝበን ንሊል 2 ን 0 ብዝኾነ ውፀኢት ስዒረን፡፡

Comments (0)
Add Comment