ካልኣይ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮጵ ጀርመን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካልኣይ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮጵ ጀርመን ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ተሳሊጡ።

መጀመሪ እቲ ሓበራዊ ኣኼባ ኣብ ፖሊሲን ድሕንነትን ጉዳያት ወፃኢ ኣድሂቡ ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ።

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት፣ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን ኣውሮፓን ከምኡ እውን ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ብዝምልከት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝህልወን ምትሕብባር ኣተኲሮመወ ምዝታዮም ኤምባሲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዘውፀኦ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ድማ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ ልምዓትን ካልኦት ዘፈራትን ርክብ ኢትዮ ጀርመን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment