ኪርጊስታን ስምምዕነት ኣንካራ ምርግጋዕን ምዕባለን ኣብ ምርግጋፅ ርኡይ ግደ ከምዘለዎ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኪርጊስታን ስምምዕነት ኣንካራ ምርግጋዕን ምዕባለን ኣብ ምርግጋፅ ርኡይ ግደ ከምዘለዎ ገሊፃ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዶ/ር) ሹመት ደብዳቤኦም ንምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኪርጊስታን ሪፐብሊክ ተምሪበክ ኢርክኖቭ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ተዛቲዮም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ስምምዕነት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝነበረን ኣፈላላይ ንጎድኒ ብምግዳፍ ብምክብባር፣ ሕውነትን ንሓበራዊ ምዕባለን ንምሕላው ቀጣናዊ ዘላቒ ሰላምን ብዓወት ምዝዛሙ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ቀዳምነት ዝህብ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ከምዘለዋ አወን ተዛሪቦም።

ነዚ ከም መርኣዪ ብሰለማዊ መገዲ ዝተኻየደ ታሪካዊ ስምምዕነት ናይታ ሃገር ዘላቒ ረብሓ ብምትሕብባርን ሂብካ ምቕባልን መትከል ዝተመስረተ ከምዝኾነ መረጋገፂ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንዘበናት ኣብቲ ቀጣና ኣብ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ምውፋራን ግብረ ራዕዲ ኣብ ምቅላስ መስዋእቲ ትኸፍል ዘላን ሃገር ከምዝኾነት ሓቢሮም።

Comments (0)
Add Comment