ኩናት ኣብ ዝተካየደሎም ከባብታት ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 3 ቢልየን ኣታዊ ከምዘይተኣከበ ምኒስተር እቶት ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኩናት ኣብ ዝተካየደሎም ከባብታት ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 3 ቢልየን ኣታዊ ከምዘይተኣከበ ምኒስተር እቶት ኣፍሊጡ።

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ልዕሊ ብር 360 ሚልየን ኣታዊ ንምእካብ ተሊሙ ናብ ስራሕ ዝኣወ እቲ ቤት ዕዮ÷ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት 158 ነጥቢ 9 ቢልየን ነምእካብ ተሊሙ 147 ነጥብ 3 ቢሊየን ከዕውት ኪኢሉ እዩ፡፡

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ዕዮ ወይዘሮ ኡሚ ኣባጀማል ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ÷ እቲ ኣፈፃፅማ ክምዝገብ ዝኸኣለ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዘጋጠመ ኩናን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኮይንካ ብምዃኑ ዕውት ክበሃል ዝክእል አፈፃፅማ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ኣፈፃፅማ እቲ ቤት ዕዮ ዕውት ንኽኸውን እጃም ንዘበርከቱ ከፈልቲ ግብሪ፣ ኣከብት ግብሪን ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ዕዮን ኣመስጊነን፡፡

ወይዘሮ ኡሚ ኣብ መብርሂኤን÷ “ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ትልምና ሙሉእ ብሙሉእ ንከይዕወት ምክንያት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ እቲ ሓደ  ኣብ መቐለ ዝርከብ ናይቲ ቤት ዕዮ ጨንፈር ብሓፈሻ ብር1 ነጥብ 8 ቢሊየን ንምእካብ ተተሊሙ ዝነበረ ዋላእኳ እንተኾነ ሙሉእ ብሙሉእ ክእከብ ከምዘይተከኣለ ብምፅራሕ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኮምሽን ጉምሩክ ኮምቦልቻ ብር 2 ነጥብ 3 ቢሊየን ንምእካብ ተተሊሙ 1 ነጥብ 9 ቢሊየን ጥራሕ ከምዝተኣከበ ገሊፀን፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment